top of page

ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ከረን

ቦኽሪ ዳግመ ርክብ

July 4 – 6, 2008

ተስፋጋብር ምስግና

ብተስፋጋብር ምስግና ዝቐረበ ጽሑፍ

ቶሮንቶ ካናዳ - እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ንምባል ኣፍቁዱለይ፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዓለም ኣብዛ ንመጀመሪያ ጊዜ አነብዕላ ዘሎና ምትእኽኻብ ንገለና ናይ ድሕሪ መዋእል እንቋዕ ገጽ ንገጽ ኣረኣኣየና። ናይታ እንፈትዋን ዘዕበየትናን ቤት ትምህርቲ ከረን ካልኣይ ደረጃ ድሒራ ሃጸይ ዳዊት ዝተባህለት እንደገና  ተመሊሳ ናይ ከረን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምርኻብናን ምትእኽኻብና ዓቢ ጸጋ ኢዩ።

 

ሎሚ ኣብ ከረን ኣሎና ይመስለኒ፡  ኣብ ከረን ክብል ከሎኹ አታ ካብ ኣርባዕተ መኣዝንን ከባብን ኮነ ካብ ኣስመራ ፡ ዓሊ ግድር፡ ተሰነይ፡ባረንቱ፡ኣቑርደት፡ኣፍዓበት ኮነ ናቕፋን መአከቢትናን ትምህርቲ እንቐስመላ ዝነበርናን መስራቲት ሓድነትናን ፍቕርና እነሳላስለላ ዝነበርናን ናይ ከረን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣሎና።

እወ ናይ 60ታት፡ 70ታት፡ 80ታት፡ 90ታት፡ ከምኡውን ናይ 2000 ዓ.ም ተመሃሮ ኣብዚ ኣሎና ይመስለኒ፡ ብሕልፊ እቶም ኣብ 60ታት ዝነበሩ ምስቶም ኣብ 70ታት ዝነበርና ፍልጠትና ዓሚቚ ብምንባሩ ኣበየ ዘለናሉ ዓዲ ርክባትና ኣየቋረጸን ኣብ መዓልታዊ ርክብና ብዛዕባ ቤት ትምህርትና ነዕልልን እገለ ኣበይ በጺሑ እንታይ ይገብር ኣሎ ጥዕና ኰነ ሓዳሩ ደቁ ንተሓታተት፡ ነዞም ኣጋይሽ ኣብ 80, 90, 2000ዓ.ም ዝነበርኩም ምሳኹም ንምልላይ ተመክሮታትና እንለዋወጠላ ዕለት ስለ ዝኾነት እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓንጐልና ተዘክሮታት ስለ ዘለዎ ናይ ሎሚ ተዘክሮታ ኢዩ፡ እዚ ናይ ሎሚ እንገብሮ ዘሎና ምትእኽኻብ ናይ ጽባሕ ወይ ናይ ዝመጽእ ተተካኢ ስለ ዝኾነ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽ ቤት ትምህርትና ኣገዳስነት ስለ ዘለዎ ክንዝክሮን ከነዕልለሉን ይግበኣና።

እወ ናይ 60ታት፡ 70ታት፡ 80ታት፡ 90ታት፡ ከምኡውን ናይ 2000 ዓ.ም ተመሃሮ ኣብዚ ኣሎና ይመስለኒ፡ ብሕልፊ እቶም ኣብ 60ታት ዝነበሩ ምስቶም ኣብ 70ታት ዝነበርና ፍልጠትና ዓሚቚ ብምንባሩ ኣበየ ዘለናሉ ዓዲ ርክባትና ኣየቋረጸን ኣብ መዓልታዊ ርክብና ብዛዕባ ቤት ትምህርትና ነዕልልን እገለ ኣበይ በጺሑ እንታይ ይገብር ኣሎ ጥዕና ኰነ ሓዳሩ ደቁ ንተሓታተት፡ ነዞም ኣጋይሽ ኣብ 80, 90, 2000ዓ.ም ዝነበርኩም ምሳኹም ንምልላይ ተመክሮታትና እንለዋወጠላ ዕለት ስለ ዝኾነት እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓንጐልና ተዘክሮታት ስለ ዘለዎ ናይ ሎሚ ተዘክሮታ ኢዩ፡ እዚ ናይ ሎሚ እንገብሮ ዘሎና ምትእኽኻብ ናይ ጽባሕ ወይ ናይ ዝመጽእ ተተካኢ ስለ ዝኾነ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽ ቤት ትምህርትና ኣገዳስነት ስለ ዘለዎ ክንዝክሮን ከነዕልለሉን ይግበኣና።

ታሪኽና ባዕልና ከነዘንትዎ ከሎና እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኢዩ ዝኸውን፡ ካልእ ብማዕዶ ዝዕዘበናን ዝፈርደናን ካልእ ትርጉም ሂቡ ጌጋ ሓበሬታታት ጥራይ’ዩ ክገልጽ ዝኽእል፡ ባዕልና ምስ እንጽሕፎን እነዘንትዎን ግን ነባሪ ታሪኽ ኰይኑ ይተርፍን ይዝከርን።  ትማሊ ናይዛ ቤት ትምህርቲ  ተመሃሮ ዝነበሩ ኣብ ዝተፈላለየ ክለባት ቤት ትምህርቲ እናተሳተፉ ዓቢ ስምን ዝናን ዘትረፉ ብዙሓት’ዮም። ብሰፊሑ ንምግላጹ መዓልትን ለይትን ኣዋርሕን ዓመታትን ኩልና ተኣኪብና ናይ ኣርበዓ ወይ ሓምሳ ዓመት ታሪኽ ብሓጺር ግዜ ክንውዳኦ ስለ ዘይንኽእል ግዜ ንምቁጣብ ንሕጂ ብሓጺሩ ትንክፍ ፡ ትንክፍ ኣቢለ ንምግላጽ መሪጸ ፡ ገለ ኣስማት ክርስ ዕ ስለ ዝኽእል ይቕረታ ይሓትት።  ኣብ 1.ጊሊ ክለብ፡ 2. ዝተፈላለየ ናይ ስፖርት ዓይነታት 3. ናይ ስካውት ኣሶስወሽን ብምክፋልን ካብ ብዙሓት ውሑዳት ንምጥቃስ ፡1.ከም ስዒድ ዓብድራሕማን ደራስን ሰኣላይን፡ 2.ዓብደኑር መ. ሓሰን ደራሲ፡ 3. መሓመድ ኑር ዑስማን ሰኣላይ ። ብስፖርት መዳይ ማለት ብዝላ፡ ብጉያ እግሪ፡ ሾት ቡት፡ ጃቨሊን፡ ዲስክ፡ ከም በዓል ዓወድ ሸኽ ሑሰን፡ ዓብደረዛቕ በሺር፡ ሮማ ኣንቶንዮ፡ ቅድስቲ ዮውሃንስ፡ ስውእ ክንፈ ሃይለ፡ ሓሰን እድሪስ፡ ካሕሳይ፡ ዑስማን መሓመድ(ጁዶ)፣ ገብረትንሳኤ ፍሰሃየ፣ ወዘተ ካብ ከረን ንኣስመራ  ካብ ኣስመራ ኣብ ምሉእ ናይ ኢትዮጵያ ውድድር ከም ዝኣተዉን ገሊኦም እውን ዕውታት ኣይተሳእኑን። ኣቲ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ዝርከብ ስፖርት ኲዕሶ እግሪ እውን ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ቦታ ነይርዎ፡ እንተ ነቶም ፍሉጣት ዓበይቲ ተጻወቲ ከም በዓል ዓሊ ኣሕመዲንን ተኽለ ገብረን ኣብ ጋንታ መንደፈራ፡ ተወልደ ዮውሃንስን  ዮውሃንስ ወልደጽዮን ( ጆከር ) ኣብ ጋንታ ኣስመራ ወዘተ ዝጻወቱ ዝነበሩ ንዖኦም ብምኽታል ከም በዓል ኣሕመድ መሓመድ ሕርሲ፡ ኣረጋይ ገብረእግዚኣብሐር፡ ተስፋኣለም ገብረመስቀል፡ ተስፋጋብር ምስግና፡ ኣብ ጋንታ መንደፈራ። ኢስማዒል ኣብ ጋንታ ኣስመራ፡ ብእምነት ዛይድ ፡ የማነ ቦኽረጽዮን፡ ኣብ ጋንታ ቴለ። ስውእ ገብረትንሳኤ ደብረጽዮን ኣብ ጋንታ እምባሶይራ። ኣይቀጸሉን እንበር ከራር መሓመድ ዓሊ ካኖኒ፡ ኢብራሂም ኣድሓና፡ ዓቡድ፡ ዑመር መሓመድ ዑስማንን መኰነን ወልደንስኤን ኣብ ጋንታ ኣስመራ ተሳቲፎም ነይሮም፡ እዚ ስፖርታዊ ታሪኽ ብሓጺሩ እዩ።

 

ብናይ ስካውት ንምግላጽ እንተኰይኑ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ማሕበር ብምንባሩ ጥራይ ዘይኰነ ነቲ መምርሒታት ብግቡእ ይትርጉሞ  ስለ ዝነበረ ኣብ ናይ ኤርትራ ስካውት ኣሶስወሽን ዓቢ ከብደት ነይርዎ።

ናይ ገንዘብ ትሕዝቶ ከም ዘድሊ ብምግንዛብ ሓገዛት ንኽይሓጽር ብምሕሳብ ካብ ዝተጠቕመትሉ ሜላታት ደረፍቲ ካብ ኣስመራ ብምምጻእ ኣብ ሲነማ ከረን ምር ኢት ኣካይዳ፡ ዘርብሕ ኣታዊ ስለ ዝረኽበት፡

 

1.  እታ ኣብ ጥቓ ቤት ትምህርትና ዝነበረት ዖና ኢትዮጵያ ዑና ምስ ገበረታ ኣብ ከባቢኡ 52 ዝኽውን ኣጓዱ ጸጊናን ሰሪሓን።

 

2. ክልተ ኣካለ ስንኩላን ዝጐዓዙለን ብሽግለታታት ኣስሪሓ ካብቲ ፍሑኽ ኢሎም ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ ሓራ ኣውጺኣ ኣብ ዝስልጦም ጉዕዞ ክበጽሑ ገይራ።

 

3. ኩሉ ግዜ ሪፖርት ንናይ ኤርትራ ስለዝሓልፍ ኤርትራ ንናይ ዓለም ስካውት ኣሶስወሽን ተመሓላልፍ ብውጻኢት ናይዚ እቲ ዝለዓለ ሽልማት ረኺባ ኣብ ኢዳ ከይብዝሐ ኢትዮጽያ ከም ዝገበረቶዩ ተፈሊጡ።ሎሚ ኣብዚ ኣደራሽ ኣባላት ናይ ስካውት ተስፋጋብር ምስግና፡ መንግስተኣብ ምስግና፡ መሓመድ ሳልሕ ኣቡበከር፡ ሙሉገታ ኣብረሃ፡ ሓጂ ዓብደላን ኣለዉ፡ ካላኦት ዓብደልዓዚዝ ኣንዋር ኣብ ጀርመን፡  ዓብደኑር መሓመድ ሓሰን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣሰፋው ኣብራሃ ኣብ ኣመሪካ፡ ወሪዕ ፍረን ፍሰሃየ ተወልደን ኣብ ኤርትራ ወዘተ ኣለዉ።

 

ጉዳይ ሃገር ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ርሱን ብምንባሩ ምእንቲ ናጽነት ሃገርና ቡዙሓት ተማሃሮ ተጋዲሎምን ብመስዋእቲ ሓሊፎምን እዮም፡ ነዞም ምእንቲ ሃገር ሂወቶም ዝሃቡ ኣብ መዓልታዊ ሂወትና ነባሪ ዝኽርታት ኣለዎ፡ ብመውጋእቲ ዝሰንከሉን መርከብ ሓርነት ተጻዒኖም ዝመጹን ብሂወቶም ዘለዉ ሎሚ ምሳና እኳ እንተዘየለዉ ወትሩ ነዕልለሎምን ንዝክሮምን ኢና።

 

ናይዛ ቤት ትምህርቲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብሓጺሩ ዝተገልጸ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ትማሊ ተመሃሮ ዝነበሩ ሎሚ መማህራን፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ክኢላታት፡ ናይ ሕሳብ፡ እንጂነሪታት ኰነ ናይ ሕክምና ዶክተራት ወዘተ ኣለውና ብጠቕላላኡ ብዙሓት ምሁራት ኣለዉና ማለት ኢዩ።

 

ካብ  ዓዲ ክንወጽእ ከሎና ንውልቅና ኢና ወጺእና ዳርጋ ኩልና ኣብ ወጻኢ ኢና ተመርዒና፡ሓደ ዝነበረ ክልተ፡ ክልተ ዝነበርና ምስ ደቅና ሰለስተ፡ ኣርባዕተ ወዘተ በጺሕና ኢና። ኣብዚ ቦኽሪ ምትእኽኻብና ደቅና ሒዝና መጺእና ስለ ዘሎና ነዚ ቅዱስ ዕላማ መታን ንኽነውርሶም ሕሉፍ ታሪኽና ንግለጸሎም ንሶም እውን መላለዪ ክኮኖም ዝቅጽልሉ መንገዲ ንፍጠረሎም።

 

እቲ ህልዊ ነቲ ዝሓለፈ ስለ ዝዝክር ኣብ ዓዲ ከሎና እቲ ፍቅሪ፡ሕውነት፡ ምክብባር ነዘውትሮ ዝነበርና ሕጂ እውን ክምትማሊ ንቀጽሎ እቶም ኣብዚ ቦኽሪ ምትእኽካብና ክመጹ ዘይጠዓሞም ጀሚርናዮ ስለ ዘሎና ኣብ ካልኣይ ንኽሳተፉ ነተባብዓዮም ። ነዚ ዳግመ ርክባትና ክውን ንምግባር ንምዕዋቱ ዝጸዓሩን ንኣስታት ሾሞንተ ወርሒ ዝኣክል ዝተንቀሳቀሱን ፡ ባህልቢ ተኽለ፡ ተስፋጋብር ምስግና፡ ሓሰን ፈረጅ፡  ዘይነብ ወራሕ፡ ያዕቆብ ዓብደላ፡ ጅምዕ ዓብደላ ዓሊ ሽኽ፡ ዓድል ዑመር ሙሳ ሓጅን ከማኡውን ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ካብ ኣቶዋን ምስ እዞም ዝተጠቕሱ ሽማግለታት ጎኒ ንጎኒ ለይቲ ምስ መዓልቲ ዝተዋሰኤት ኬመት ባህልቢን መራሕቲ ናይዚ እምነት ስለ ዝኾኑ ምስጋና ኣይፈለዮም።

 

ኣብ መፈጸምታ ጽሑፈይ ክገልጾ ዝደሊ ሓድሓደ ሰባት ነዚ ቦኽሪ ምትእኽኻብ ምክፋእን ምቁንጻብን ንሰምዕ ኣዃ እንተነበርና ፈሪህና ኣየቋረጽናዮን እኳደኣ ዕውት ከብካብ ኰይናትልና።

 

ኣብዚ ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ዘይደሊ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ዘይኮኑ ካብ ረሑቕ ቦታ ተጓዒዞም ነዚ ዳግመ ርክብና ክብደት ክህብዎ ዝመጹን ከማኡውን ናይዛ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ዘይኰኑን ዘይኰናን እንታይ ክንሕግዘኩም ብምባል ናይ ገንዘብ ሓገዝን መግብን ዝሓገዙናን ዝሓገዛናን ዓቢ ምስጋና ይግበኦም።ብሓፈሻኡ ከኣ ነዚ ርክባት ክንጅምሮ ከሎና ኣብ ቦኽሪ ኣኸባና ኣብ ቶሮንቶ ዝርከቡ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ብዕምቆት ደሕሪ ምግንዛቦም ኣብ ሓደ ርእይቶ ብምብጻሕ ኣጋይሽና እንቕበለሉ ኢሎም ብጥረ ገንዘብ ምሕጋዝን ኰነ ብምትብባዕን፡ ሓልዮትን ዘርኣይዎ እቲ ምልክትሓድነትና ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ ኣረጋጊጽና ኢናሞ ዓቢ ምስጋና ነቕርበሎም ኣሎና።

 

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ ክሳዕ ኣብ ካልኣይ ርክብና ኣብ  ክንዲ ሽማግለን ከም ኡውን ደቂ ቶሮንቶ ኰይነ የቐንየልና ይብል። 

 

bottom of page